ኣይተ ታዲዮስ ታንቱ 6 ዓመትን 3 ወርሒን ፅኑዕ ማእሰርቲን ገንዘብን ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብገበን ናይ ፅልኢ ዘረባን ጎንፅ ዝቕስቅስን ምግዋሕ ዝተኸሰሱ ኣይተ ታዲዮስ ታንቱ 6 ዓመትን 3 ወርሒን ፅኑዕ ማእሰርቲን ገንዘብን ተቐፂዖም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ምድብ ልደታ መጋባእያ ገበን ሕገ-መንግስትና ህገ መንግስታዊ ጉዳያትን ኣይተ ታዲዮስ ታንቱ ዝተኸሰሱሉን ጥፍኣተኛ ኣብ ዝተብሃሉሎምን 3 ክሲታት ኢዩ ፅኑዕ ማእሰርቲን ቅፅዓት ገንዘብን ኣመሓላሊፉሎም።

ኣይተ ታዲዮስ ታንቱ 20 ሰነ 2014 ዓ.ም ናይ ፅልኢ ዘረባ ብምግዋሕን ሕድሕዳዊ ጎንፂ ብምቕስቃስን ገበን ፈፂሞም ተባሂሎም ብሚኒስቴር ፍትሒ ዝተዋደዱን ብወገን ዓቃቢ ሕጊ ጉዳያት ዶብ ተሳገርቲ ተደራረብቲ ኣርባዕተ ክሲታት ቀሪቦምዎም ነይሮም።

ተኸሳሲ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዘቕረቦም ኣርባዕተ ክሲታት ዝተፀርሑ ተግባራት ገበን ከምዘይፈፀሙ ብምግላፅ ዝሃቡዎ ናይ እምነት ክሕደት ቃል ስዒቡ፤ ዐቃቤ ሕጊ እቲ ገበን ከምዝተፈፀመ የረድኡ ኢዮም ዝበሎም ምስክራት ኣቕሪቡ ኣስሚዑ።

ቤት ፍርዲ ናይ ዓቃቢ ሕጊ ምስክር መርሚሩ ንኽከላኸሉ ብሙሉ ድምፂ ብይን መሃቡ ኢዩ።

ኣይተ ታዲዮስ ንኽከላኸሉ ብዝተውሃበ ብይን መበገሲ ዝተፈላለዩ ናይ መከላኸሊ መሰኻኽር ብምቕራብ ኣስሚዖም ዝነበሩ ይኹኑ እምበር ብዘቕረቡዎ ናይ መከላኸሊ መረዳእታ ግን ንናይ ዓቃቢ ሕጊ መረዳእታ ብግቡእ ክከላኸሉ ከምዘይከኣሉ ተገሊፁ፤ ብ3 ክሲታት ጥፍኣተኛ ተባሂሎም ፍርድ ተመሓላሊፉዎም ኢዩ።

ቤት ፍርዲ አቦ 6 ቆልዑ ብምዃኖምን ወዲ 70 ዓመት ሽማግለ ከምዝዝኾኑን ኣብ ግምት ብምእታው ክልተ መቕለሊ ቅፅዓት ብመሓዝ ብመሰረት እርከን 24  ብ6 ዓመትን 3 ወርሒን ፅኑዕ ማእሰርቲን 20 ሺሕ ብር ገንዘብን ንኽቕፅዑ ወሲኑ።

ቤት ህንፀት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ ዝተነበረ ቅፅዓት ኢዶም ካብ ዝተትሓዘሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሕሰብ ንኽፍፅም ተኣዚዙ።

ብታሪክ ኣዱኛ

Comments (0)
Add Comment