ኣይተ ታዬ ደንደአ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ኣይተ ታዬ ደንደአ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ኣይተ ታየ ቅድሚ ለውጢ ኣባል ኦነግ ዝነበሩን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝፀንሑን ኣዘኻኺሩ።

ናይ ለውጢ መንግስቲ ብመሰረት ዝገበሮ ምሕረት ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም ብመሰረት ዝተውሃበ ዕድል ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ስራሕ መንግስቲ ክልልን ፌዴራልን ይሰርሑ ነይሮም ኢሉ።

ይኹን አንበር ኣይተ ታየ፥ ህዝብን መንግስትን ካብ ዝሃቦም ሓላፍነት ብተፃራሪ ብፍላይ ሚኒስትር ዴኤታ ሜኒስቴር ሰላም ብምዃን ሰላም ኣብ ምንጋስ ክሰርሑ እናተገበኦም ብተፃራሪ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ምስ ዝንቀሳቐሱ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ብምትእስሳር ንልኡኽ ጥፍኣት ብሕቡእ እንትሰርሑ ከምዝነበሩ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት አንትፍፀሙ ኣብ ዝነበሩ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ብፍላይ ምስ ምዕጋት ሰባት ብዝተተሓሓዘ ኢዶም ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ነቲ እኩይ ተግባር እንተንቀሳቕሱ ዝነበሩ ተጠርጣሪ ታየ ደንደኣ ብመንግስቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝውዕሉ እንትግምቱ ተቓላሳይ ንምምሳል ብናይባዕሎምን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታትን ኣዕናዊ ፀረ ሰላም ፅሑፋት፣ ዘረባታትን መግለፂታትን የተሓላልፉን ይህቡን እንተፀንሑ እውን ካብ ተሓታትነት ምምላጥ ብዘይምኽኣሎም በቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፁ።

ብተወሳኺ መንግስታዊ ሓላፍነት ብምቕባል ይሰርሑሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን መሓዉር መንግስትን ፓርትን ብሽርሒ ንምፍራስ ብሕቡእ ይንቀሳቐሱ ከምዝፀንሑ ብምርዳእ መፅናዕቲን ክትትልን ብዕቱን ይግበረሎም ከምዝፀንሐ ሓቢሩ።

ብመሰረት ዝተገበረ ክትትል ኣይተ ታየ ደንደኣ ምስ ኣመራርሓ ኦነግ ሸኔን ብገበን ገብረ ራዕዲ ምስ ዝተጠርጠሩ ፅንፈኛ ሓይሊታትን ምትእስሳር ብምፍጣር መንግስቲ ብዓመፅ፣ ብግብረ ራዕዲ፣ ብዕጥቂ ቃልሲን ንምዕላው ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

ተጠርጣሪ ታየ ደንደኣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ኣብ ዝወዓልሉ እዋን፥ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ብመሰረት ዝተገበረ ተፍቲሽ 9 ሞባይላት፣ 4 ላፕቶፕ፣ 3 ኣይፖድ፣ ብዙሕ ፍላሻት፣ 4 ዝተፈላለዩ ታርጋታት መኪናን ዝተፈላለዩ መሳሕቲታት ኤሌክትሮኒክስን፣ ክላሽንኮቭ ጠመንጃን ሽጉጣትን ምስ ጠያይቶም፣ ናይ ኦነግ ሸኔ ኣርማታትን በዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ስም ዝተሰናድኡ ታሴራታት ኦነግ ሸኔ፣ ሰነዳትን መዘክራትን ከመዝተረኸበ እቲ መግለፂ ኣረጋጊፁ።

ኣብቲ መንበሪ ገዛ ብሰለስተ ታሴራታት ዝጥቀም ሓደ ኣባል ኦነግ ሸኔ ተሓቢኡ ከመዝተረኸበን ኣብ ቁፅፀር ከምዝወዓለን ገሊፁ።

ታየ ደንደአ ኣብ ዝተመደቡሉ ላዕለዋይ ሓላፍነት ስራሕ መንግስቲ ኮይኖም ብተደጋጋሚ መነግስቲ ቀንፃሊን ጨፍጫፊን ብምባል እንትወቕሱ ዝስማዕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ብተግባር ግን ምስ ግብረ ራዕዲታት፣ ፅንፈኛታትን ቀንፀልቲን ምትእስሳር ከምዝነበሮም በቲ ዝተገበረ ክትትል ከምዝተረጋገፀ እቲ ግብረ ሓይሊ ሓቢሩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment