ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያን ሽልማት ዕድመ ልክዕ ተደርኪቱሎም።
እቲ ሽልማት ፍላይት ግሎባል ዝተብሃለ ኩባኒያ አንግሊዝ ዝሃቦም እንትኸውን፥ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር ንዘርኣይዎ ዝለዓለ ኣመራርሓ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ፍላይት ግሎባል “ኤርላይን ቢዝነስ ” ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ኩባኒያ ሕትመት መፅሄት ኣቪዬሽን እንትኸውን፥ ካብ 2002 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ” ኤርላይን ስትራቴጂ ኣዋርድ ” በቢዓመቱ ብምስንዳእ ንዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ውልቀሰባትን ኩባኒያታትን ኣፍልጦ እናሃበ ፀኒሑ ኢዩ።
ኣይተ ተወልደ ነቲ ሽልማት ኣብ ለንደን ምርካቦም ካብ ኢትዮ ንግድን ኢንቨስትመንትን መድረኽ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ነበር ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገድ ኣየር ብምዃን ን11 ዓማውቲ ንዘመዝገብዎ መርሃ ግብሪ ምድላው ትልሚ ነዊሕ እዋንን ቅልቅላው ናይ ምቁፅፃር ከእለተን ኣፍልጦ ንምሃብ ከመዝኾነ ተሓቢሩ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኣመራርሓ ኣይተ ተወልደ ኣርባዕተ ዕፅፊ ከምዝዓበየ ፍላይት ግሎባል ገሊፁ።
በዝሒ ነፈርቲ እቲ መገዲ አየር ካብ 33 ናብ 130፣ ቁፅሪ ተጓዓዝቲ ካብ 3 ሚሊየን ናብ 12 ሚሊየን ከምዝዓበየ እቲ ኩባኒያ ሓቢሩ።
ኣይተ ተወልደ ነቲ መገዲ ኣየር ን37 ዓማውቲ ድሕሪ ምግልጋሎም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ብምኽኒያት ፀገም ጥዕና ካብ ሓላፍነቶም ከምዝለቐቑ ይዝከር።
ኣብ ለንደን ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ኣፍልጦ ብምርካብ ዝተሰመዖም ታሕጓስ ብምግላፅ፥ እቲ ፕሮግራም ሽልማት ንዘሰናድኡ ምምሕዳርን ሰራሕተኛታተን ፍላይት ግሎባል ከምኡውን ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ሓቢረሙኒ ንዝደኸሙን ውፅኢት ዘመዝገቡን መሳርሕተይ ብሙሉኦም አመስግን” ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።