ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ፎረም ከተማታት ንምስታፍ ወላይታ ሶዶ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ 9ይ ፎረም ከተማታት ንምስታፍ ናብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ኣቲዮም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ወላይታ ሶዶ እንትኣትዉ ርእሰ ምምሕዳር ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራል ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓ ክልልን ዞባን፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣይተ ተመስገን ኣብ ወላይታ ሶዶ ኣብ ዝገብሩዎ ፃንሒት ፅባሕ ዝጅምር መርሃ ግብሪ 9ይ ፎረም ከተማታ ኢትዮጵያ ብዕሊ ከጀምሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘለዎ ካብ ምምሕዳር ዞባ ወላይታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከተማ ወላይታ ሶዶ ምድላዋት እቲ ፎረም ብምዝዛም ኣጋይሻ እናተቐበለት ትርከብ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment