ኣይተ ብናልፍ ምስ ሚኒስትር ህንፀት ሰላም ደቡብ ሱዳን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም ጎድኒ ንጎድኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ዘሎ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ሳላም  ብሚኒስትር ህንፀት ሰላም ደቡብ ሱዳን እስቴፈን ፖን ኮል ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ዘቲዮም።

እቲ ዘተ፥ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ሰላም፣ ለምዓትን ርክብ ህዝብን ንምርግጋፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ብስፍሓት  ዝዳቦቧ ሃገራት ከም ምዃነን መጠን ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ምጥንኻር ሓዊሱ ናይ ልምዓት፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ሓበራዊ ተረባሕነትን ብዝምልከት ኣብቲ ዘተ ምቕራቡ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ከባቢ እቲ ወሰን ዝነብሩ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ተረባሕነቶም ንምርግጋፅ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ብምስንዳእ ንምንቅስቓስ ዘኽአል ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment