ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተርክሂን ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሕዳር ኣብ ጀርመን ብዛዕባ ዝካየድ ኣኼባ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ፓራኦሎምፒክን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ባህሊ ሰነድ ስምምዕነት ብዛዕባ ዝገብሩሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምዝታዮም፡፡

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ሚኒስትራት ባህሊ ንኽሳተፉ ካብ ሩሲያ መዘነኦም ዝተለኣኸሎም ደብዳበ ካብቶም ኣምባሳደር ከምዝተቐበሉ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment