ኣይተ ሽመልስ ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ዝኸበረ ሜዳልያ ኣግሪኮላ ፋኦ ብምሽላሞም መልእኽቲ እምኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝኸበረ ሜዳልያ ኣግሪኮላ ፋኦ ብምሽላሞም ስዒቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ መልእኽቲ እምኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም÷ “ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዳግም ንዝረኸቡዎ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንኳዕ ደስ በለካ ክብል የደሊ” ኢሎም።

“ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተበርከተሎም እዚ ውሩይ ሽልማት፤ ብሓደ ወገን ፖሊሲታትናን ስትራቴጂታትናን ዕዉታት ምዃኖም ንኹሉ ኣካል ዘረጋገፅናሉን ዝሓዝናዮ ጉዕዞ ምዕባለ ኣጠናኺርና ክንቅፅልን ዘለዓዕል ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

እዚ ቀፃሊ ዓወት ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ዓወትን ክብሪን ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ኣይተ ሽመልስ ኣመልኪቶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment