ኣይተ ስብሃት ነጋን ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 42 ተጠርጠርቲ፥ ዓቃቤ ሕጊ መሰኻኽር ቅድመ ምርማራ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል፥  ኣይተ ስብሃት ነጋን ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 42 ተጠርጠርቲ መሰኻኽር ቅድመ ምርማራ ኣቕሪቡ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ኣብ ለዕሊ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መዝገብ ቅድመ ምርመራ ምኽፋቱ ስዒቡ እቶም ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ህንፀት ኣዲስ ኣበባ ንክኸዱ ብቤት ፍርዲ ትእዛዝ ምሃቡ ይዝከር።

ይኹን እንበር ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ኣይተ ስብሃት ነጋን ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማ፣ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተን ዶክተር ሰለሞን ኪዳነን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 42 ተጠርጠርቲ 50 መሰኻኽር ቅድመ ምርማራ ንምስማዕ ኣቕሪቡ።

ካብ እቶም 42 ተጠርጠርቲ ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈፀመ ቅትለት ንፁሃን ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ተሳትፎ ኣለዎም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ይርከብዎም።

ስለዝኾነ መሰኻኽር ቅድመ ምርማራ ዓቃቤ ሕጊ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ ምስማዕ ከይዲ ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment