ኣይተ ሳዳት ነሻ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ኮይኖም ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ሳዳት ነሻ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ኮይኖም ተሸይሞም።

ኣይተ ሳዳት ቀድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ሓላፍነት ፌዴራልን ክልልን ዘገልገሉ እንትኾኑ÷ እቲ ሽመት ክሳብ ዝወሃቦም ኣብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኦሮሚያ ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ብምዃን እናገልገሉ ፀኒሖም።

ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ድማ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኦሮሚያ ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ብምዃን ተሾይሞም፡፡

ዶክተር ቢቂላ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ዘገልገሉ እንትኾኑ÷ እዚ ሽመት ክሳብ ዝወሃቦም ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ብምዃን እናገልገሉ ከምዝነበረ ካብ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment