ኣይተ ርስቱ ይርዳ ኣብ ዞባ ጉራጌ ወረዳ ማረቆ ብኩታ ገጠም እናለምዐ ዘሎ ዝራእቲ ስራናይ ዑደት እናገበሩ እዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብ ዞባ ጉራጌ ወረዳ ማረቆ ኣብ ናይ ሎሚ ኣዝመራ ቀውዒ ብኩታ ገጠም ሜላ ኣተሓራርሳ እናለምዐ ዘሎ ሕርሻ ስርናይ ዑደት እናገበሩ እዮም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ወረዳ ብምኽንያት  ዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ኣብ ስራሕ ሕርሻ እቲ ሓረስታይ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ምሕዳሩ ሓቢሮም።

እቲ ማሕረሰብ ነቲ ዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ብባህላዊ ዕርቂ ምፍታሕ ምኽኣሉ ሕጂ እናተርኣየ ንዘሎ ምህርቲ ከልምዕ ምኽኣሉ ኣብ ሃገራዊ ፍርያት ናይ ባዕሉ ግደ እናተዋፅአ ምዃኑ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ኣዝመራ ቀውዒ 175 ሽሕ ሄክታር መሬት ብፍርያት ስርናይ ዝተሸፈነ እንትኾን 7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ክርከብ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

በቶም ርእሰ ምምሕደር ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዞባታት ሰልጤ፣ ሃላባን ወላይታን ብኣዝመራ ቀውዒ እናለምዐ ዘሎ ፍርያት ዑደት ክገብር እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ካብ ኮሙኒኬሽን ክልል ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment