ኣይተ ርስቱ ይርዳ ምስ ዳይሬክተር ኢፋድ ካንትሪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳ ምስ ዳይሬክተር ኢፋድ ካንትሪ ከማዊራ ቺትማ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ ክልል ብፕሮግራም ኢፋድ ዝካየዱ ስራሕቲ ልምዓት ህይወት ሕብረተሰብ ኣብ ምምሕያሽ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝናብ ዝተደረኸ ህይወት ሓረስቶት ንምምሕያሽ ኣናእሽቲ መሳኑ ምህናፅ ዝለዓለ ውፅኢት እናምፀአ ኢዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ኣታዊ ክብ ንምባል ምስ መሓዙት ትካላት ዝግበረ ምትሕብባር ከምዝጠናኸር ገሊፆም።

ኣማራፂ ማይ ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት ካብ ዝናብ ዝርከብ ማይ ብምጥርቓምን ንስራሕቲ መስኖ ብምውዓልን እናተሳለጠ ከምዝኾ እውን ኣብሪሆም።

ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ፈንድ ልምዓት ሕርሻ (ኢፋድ)ማዊራ ቺትማ ብግደአን፥ ኣብቲ ክልል እናተርኣየ ዝርከብ ሰላምን ፀፅታን ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ምብፅሑ ብናእዳ ምዕዛቦም ተዛሪበን።

ብፍላይ ኣናእሸተይ ልምዓት መስኖ ዘፈር ሕርሻ ንምዝማን ዘለዎ ረብሓ ብምሕባር፤ ኣብ ህይወት ሓረስቶት ሰበኽ ሳግምን ለውጢ እናምፀአ ምዃኑ እተን ዳይሬክተር ምግላፀን ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment