ኣይተ ሙስጠፌ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ንዝተሰለፉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሓይሊ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ንዝተሰለፉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሓይሊ ዑደት ገይሮም።

ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ዝድምስስ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ንምሕጋዝ ሰራዊት ምክኻል ሃገር ናብቲ ወፍሪ ዝተሓወሰ ከምዝኾነ ካብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን “ኣቶ” ኣብ ዝበሃል ከባቢ ናብ ክልል ሶማሌ ዞባ ኣፍዴር ዝኣተወ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ “ሁልሁል” ኣብ ዝበሃል ንኡስ ቀበሌ ድሕሪ ምኽባቡ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተደምሰሰ ቤት ምኽሪ ፀፅታ እቲ ክልል ምግላፁ ይዝከር።

ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ልዕሊ 100 ኣባላት እቲ ጉጅለ ራዕዲ እንትቕተሉ፥ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ዝጥቀመሎም ዝጥቀመሎም ዝነበረ 13 ተሽከርከርቲ ምቅፃሎም ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment