ኣይተ ሙስጠፌ ምስ መናእሰይ ክልል ሶማሌ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጠሚቶም ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሳሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ መናእሰይ እቲ ክልል ዘቲዮም።

እቲ መድረኽ ዘተ መናእሰይ እቲ ክል ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ኣብ ዝህልዎም ግደን ንመናእሰይ ምስ ወድዓዊ ሃገራዊ ኩነታ ዘለዎ ሓቂ ግንዛበ ንመሃብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ሓዊሱ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ኣይተ ሙበሽር ድባድ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ሑሴን ቃሲም፣ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ኣይተ መሓመድን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ተረኺቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment