ኣይተ ሙስጠፌ ሙሓመድ ብኣይተ ኣህመድ ሽዴ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ፌደራል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር  ክለል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ ሙሓመድ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ኣድሂቦም ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብቲ ክልል ብዘጋጠመ ድርቂን እናተውሃበ ዘሎ ምላሽን ከምዘድሃቡ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ክልል ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ድርቂ ብዘላቕነት ንምክልኻልን ዘላቒ ልምዓት ሕብረተሰብን ንምርግጋፅ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት እውን ልዝብ ገይሮም ኢዮም፡፡

ኣገልግሎታት ማይ፣ ጥዕና፣ ሕርሻን መሰል ኣገልግሎታትን ንሕብረተሰብ ምብምምላእ፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ ፀገም ሕፅት ብምፍታሕ ዘላቒ መፍትሒ ምፍጣር ከምዝግባእ ምሕባሩ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ሶማሌ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment