ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ንልኡኽ ኣባላት ፓርላማ ኬንያ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣዘራሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሊ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ኣብ ጅግጅጋ ዝርከብ ጉጅለ ልኡኽ ኣባላት ፓርላማ ኬንያ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣዘራሪቦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ንኣባላት ፓርላማ ኬንያ ኣብ ክልል ሶማሊ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ብፍላይ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን፣ ጥዕና፣ መንገዲ ትምህርቲ ከምኡ እውን ብሓፈሻ እዋናዊ ኩነታት እቲ ክልል ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም።

ኣመራርሓታት ለውጢ እቲ ክልል ምምራሕ ካብ ዝጅምር ንደሓር ብዝተፈላለዩ ሴክተራት ነውጢታት ከምዝተመዝገቡ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ ፖለቲካዊ ምህዳር እቲ ክልል ከምዝሰፍሐን ፓርቲታት ብናፅነት ንኽንቀሳቐሱ ንምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ብግደኦም ብዝተገበረሎም ኣቀባብላን ገለፃን ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ፥ ልምዶም ኣካፊሎም ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓማውቲ ኣብ ክልል ሶማሊ ዝነበሩ ፀገማት ምምዝባላት እናሰምዑ ከምዝነበረን ንምምፃእ እውን ዘፍርሕ ከምዝነበረን ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሓት ለውጢታት ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ክልል ፅቡቕ ልምዲ ከምዝረኸቡ ብምግላፅ ናብ ዝተመረፁሉ ክልላት ኬንያ እንትምለሱ ዝረአዩዎ ነገር ከምዘካፍሉ ምግላፆም ካብ ትካል መራኸቢ ሓፋሽ ሶማሊ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment