ኣይተ መላኩ ኣለበል ምስ ጉጅለ ልኡኻት ባንኪ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል ምስ ጉጅለ ልኡኻት ባንኪ ዓለም ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ከይዲ ዘላቒ ኢኮናሚያዊ ልምዓት ኢትዮጵያ ዘድሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

መራሒ እቲ ጉጅለ ልኡኻትን ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያን ዶክተር ኦስማን ዲዮን፥ ኢትዮጵያ ፍርያታታ ናብ ወፃኢ ገራት ዕዳጋ ኣብ ምቕራብ፣ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣብ ምስሓብ፣ ንፈጠራ ስራሕ ምዕሩይ ከባቢ ኣብ ምፍጣርን ኣብ ዙርያ ርክብ ንግዲን ካብ ሃገራት እስያ ብፍላይ ካብ ቬትናም ክትመሃር ይግባእ ኢሎም።

ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል ብግደኦም፥ ምስ ጉጅለ ልኡኻት ባንኪ ዓለም ብምዝታዮምን እቲ ትካል ንዝገበሮ ሓገዝን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስእነት ስራሕ፣ ድኽነትን ናህሪ ዕዳጋን ዝቕባበ ዋጋን ኣብ ዝምልከት ዛዕባ እውን ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ፀገም ንምንካይ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪን ካልኦት ስራሕቲ ልምትን ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ፣ ስራሕቲ ንግዲ ንምምችቻውን ምዕሩይ ኩነታት ንምፍጣርን ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት ብምሕንፃፅ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣይተ መላኩ መብርሂ ሂቦም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓማውቲ ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት እናተመዝገበ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ፅዕንቶ ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት ድማ ዋላኳ ዘፈር ሕርሻ እንተዘይተጎድአ ኣብ ዓውዲታት ግልጋሎትን ኢንዱስትሪን ልዑል ጉድኣት ኣብፂሑ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ሚኒስትር ምስ ምድላው ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ተተሓሒዙ ዘሎ ፀገም ሸርፊ ወፃኢ ንምፍታሕ ካብ ባንኪ ዓለም ቴክኒካዊ ሓገዝ ንኽግበረሎም ምሕታቶም ካብ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment