ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ አበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓ ፓርቲ ኢዴፓ ዝኾኑ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፡፡

ኣይተ ልደቱ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቤት ፍርዲ ወረዳ ቢሸፍቱ ኢዮም ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጣሪ 23 ሰነ 2012 ዓ.ም ኣብ ከታተማ ቢሾፍቱ ንመናእሰይ ገንዘብ ብመሃብ ንጎንጺን ዓመፅን ብምልዕዓል ብዝብል ገበን ከምዝጠርጠሮም ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓሎምን ኣብቲ እዋን ክልተ ሽጉጥ ከምዝረኸበሎምን እውን ገሊፁ።

መረዳእታ ሰብን ሰነድን ንምቕራብ ተወሰኽቲ 14 ናይ ምርመራ መዓልቲታት ንኽወሃቦ ድማ መርማሪ ፖሊስ ኦሮሚያ ሓቲቱ ኣሎ።

ኣይተ ልደቱ ብግደኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቀዋሚ ኣድራሻን ዘለዎም ከምዝኾኑን መለለዪ መንነት ካርዶም እውን በቲ ከባቢ ከምዝኾነን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ግዚያዊ ገዛ ከምዘለዎም ብምግላፅ “ኣብ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኢዩ ክቐርብ ይግበአኒ” ዝብል መቃወሚ ኣልዒሎም።

ብዋሕስ ንኽፍትሑ ብምሕታት ቅድሚ ሓደ ዓመት መጥባሕቲ ሕክምና ልቢ ናብ ዝገበሩሉ ሃገር ሎሚ መዓልቲ ሰዓት ኣርባዕተ ንምጉዓዝ ከምዝተዳለዉን ትኬት ዘለዎምን ይኹኑ እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ተኣሲሮም ከምዝርከቡን ሕማም ኣስሚ ከምዘለዎምን ንቤት ፍርዲ ተዛሪቦም።

“ኣተሓሕዛ ቤት ማእሰርቲ ንኮቪድ-19 ከየቃልዐኒ ይሰግእ ኢየ ብምባል፤ እዙይ ኣብ ግምት ብምእታው ብዋሕስ ክፈትሐኒ ይግባእ” እውን ኢሎም።

መርማሪ ፖሊስ ብግድኡ ናይ ቤት ማእሰርቲ ኣተሓሕዘኦም ምቹውን ጥንቃቐ ዝተመልኦን ከምዝኾነ ብምግላፅ ካብ ማእሰርቲ እንተተፈቲሖም መረዳእታ ክሓብኡ ይኽእሉ ኢዮም ክብል ተቓዊሙ።

ናይ ክልቲኦም ሞጎት ዝሰምዐ እቲ ቤት ፍርዲ ጉዳዮም ኣብ ቢሾፍቱ ክረአ የብሉን ብዝብል ዝቐረበ ሓሳብ፥ ገበን ዝተፈፀመሉ ቦታ ቢሾፍቲ ስለዝኾነን መንበሪ ገዝኦም እውን ኣብ ቢሾፍቱ ስለዝኾነን ጉዳዮም ኣብኡ ናይ ምርኣይ ስልጣን ከምዘለዎ ብምሕባር እቲ ጉዳይ ብመጋባእይኡ ምርኣይ ከምዘዝቕፅል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ፍርዲ፥ ሕቶ ውሕስና ብምንፃግ ንመርማሪ ፖሊስ ተወሰኺ 14 መዓልቲ ምርመራ ፈቒዱ።

ተበቓ ኣይተ ልደቱ ናይቲ ክልል ፍቓድ ጥብቅና ስለዘየቕረቡ ንጥብቅና ጠጠው ክብሉሎም ኣይከኣሉን።

ፍቓድ እነንድሕር ዘይብሎም ከማኽሩዎም ከምዘይኽእሉ እውን እቲ ቤት ፍርዲ ገሊፁሎም ኢዩ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment