ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብምኽንያት ሕክምና ዘቕረቡዎ ናይ ዋሕስ ሕቶ ቤት ፍርዲ ውድቂ ገይሩዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብምኽንያት ሕክምና ዘቕረቡዎ ናይ ዋሕስ ሕቶ ቤት ፍርዲ ውድቂ እንትገብሮ መርማሪ ፖሊስ ንመወዳእታ እዋን ምርመርኡ ዛዚሙ ንኽቐርብ ተወሳኺ ሸውዓተ መዓልቲ ፈቒዱሉ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ቢሾፍቱ ንካልኣይ ግዘ ዝቐረቡ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው፥ ንመርማሪ ፖሊስ ዝተውሃቦ ተወሰኽቲ 14 መዓልቲታት ዝሰርሖም ስራሕቲ ምርመራ ገሊፁ።

ኣብ ኢድ ኣይተ ልደቱ ዝተረኸቡ ክልተ ሽጉጣትን ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስን ከምኡ እውን ዝተለኣኣኹዎም መልእኽቲታት ስልኪ ብፎረንሲክ ክምርመሩ እናገበረ ከምዝኾ ገሊፁ።

ኣብ ኢዶም ዕርቂን ሓድነትን ህዳሰ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምጥያሽ ስግግር መንግስቲ ዝብሉን ካልኦትን ፖለቲካዊ ሰነዳትን ከምዝረኸበ ዝገለፀ መርማሪ ፖሊስ 23 ሰነ 2012 ዓ.ም ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ መንግስቲ ንምግልባጥ ትልሚ ሒዞምምስ ካልኦት ሓሻሕሮም ብምዃን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዓመፅን ዕግርግርን ንኽፍጠር ይንቀሳቐሱ ነይሮም ኢሉ ከምዝጠርጠሮምን ነዙይ ድማ ቃል መሰኻኽር ከምዝተቐበለን ገሊፁ።

መርማሪ ፖሊስ፥ ዝጀመርኩዎ ምርመራ ንምዝዛም፣ ውፅኢት ምርመራ ፎሮንሲክ ንምምፃእን ተወሳኺ ሰነዳት ንምትእኽኻብን ተወሰኽቲ 14 መዓለቲታት ይወሃበኒ ክብል ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ።

ኣተ ልደቱ ሎሚ መዓልቲ እውን ብጠበቓ ዘይተወከሉ እንትኾኑ፥ ብጥብቅና ክሕዞም ፍቓደኛ ዝኾነ ሰብ ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ሰበር መጋባእያ ቆፀሮ ስለዘለዎ ንሎሚ ባዕሎም ክከራኸሩ ሓቲቶም ተፈቒዱሎም።

ብመሰረት እዚ ድማ ፖሊስ ንዘቕረቦ ውፅት ምርመራ መቃወሚ ኣቕሪቦም።

እቲ ሽጉጥ ብዝምልከት እቲ ሓደ ብ1998 ዓ.ም መንግስቲ ካብ ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ከምዝሃቦም፣ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ኣቦኦም ብውርሲ ዝረኸቡዎን ፍቓድ ዘለዎ ምዃኑን ኣብሪሆም።

ኣብ 1998 ዓ.ም ብዙሕ ምፍርራሓት ይበፅሖም ስለዝነበረ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ እቲ ፀገም ምስ ሓለፈ ክትምልስ ኢሉ ከምዝሃቦም ገሊፆም።

ቶም ሰነዳት ብዝምልከት ድማ ጉዳያት ፖለቲካ ኮይኖም ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽን ኣብ ኣደባባይን እናገለፁዎም ዝነበሩ ከምዝኾኑ ንቤት ፍርዲ ኣረዲኦም።

ቅድሚ ሕዚ ምስ ዝነበረኒ ቆፀሮ ዝመሳሰል ምርመራ ከምዝቐረበሎም ዝገለፁ ኣይተ ልደቱ፥ ንመርማሪ ፖሊስ ተወሳኺ ግዘ ክወሃቦ ኣይግባእን ክብሉ ተቓዊሞም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 6 ነሓሰ ምርመራ መጥባሕቲ ልቢ ንምግባር ሰንበት ናብ ኣሜሪካ ንምብራር ትኬት ቆሪፆም ዓርቢ ኣብትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ብምግላፅ፥ ሕማም ልቦም ከምዘስገኦም፣ ኣብ ውሽጢ ፖሊስ ጣቢያ ድማ ማስ ብዘይምግባሮም ካብ መገዲ ዝተሓዙ ሰባት እንተይተመርመሩ እናኣተዉ ከምዝኾኑን ንቫይረስ ኮሮና ከይቃልዑ ከምዝሰግኡን ቅሬትኦም ኣመዝጊቦም።

ከዚህ በፊት የነበረው መንግስት አምስት ጊዜ አስሯቸው ነገር ግን ማስረጃ ስላልተገኘ ፍርድ ቤት እንዳልቀረቡ የተናገሩት አቶ ልደቱ፥ አሁንም ማስረጃ ከተገኘብኝ ይጣራ በውጭ ሆኜ ህክምናዬን እንድከታተል ፍርድ ቤቱ የጤናዬን ሁኔታ ከግምት አስገብቶ በዋስ ይልቀቀኝ ሲሉ ጠይቀዋል።

ቤት ፍርዲ ኩነታት ጥዕናይ ኣብ ግምት ብምእታው፥ ”ጉዳየይ ኣብ ደገ ኮይነ ንኽከታተልን ሕክምናይ ንኽገብርን ብዋሕስ ይስደደኒ” ክብሉ ሓቲቶም።

እቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ቤት ፍርዲ ብግድኡ፥ መርማሪ ፖሊስ ኣይተ ልደቱ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ማእኸል ሕክምና ልቢ ሕክምና ክረኽቡ ንኽገብር ኣዚዙ።

ኩነታት ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብዝተኽኣለ መጠን ጥንቃቐ ንኽግበረሎም ዝኣዘዘ ቤት ፍርዲ፥ ፖሊስ ምርመሩኡ ዛዚሙ ንኽቐርብ ናይ መወዳእታ ሸውዓተ መዓልቲ ፈቒዱሉ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment