ኣየር ክልል ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ዝከላኸሉ ዕጥቂታት ምዕጣቕ ክንቅፅል ኢና – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣየር ክልል ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ዝከላኸሉ ዘበናዊ ናይ ውግእ ዕጥቂታት ምዕጣቕ ተጠናኺ ከምዝቕፅል ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር  ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፀም።

ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዘበናዊ ዝኾነ ቀዳማይ ዙር ተዋጋእቲ ጀታት su-30ን ስትራቴጂክ ሰብ ኣልቦ ተዋጋእቲ ኣውሮፕላናትን ተዓጢቑ ተባሂሉ።

ኣብቲ ርኽክብ ዝተረኸቡ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ÷ “ኣብ ዓለም ተመረፅቲ ዝኾና su-30ን ስትራቴጂክ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናትን ወነንቲ ምዃንና ኣብ ሃገርና ክፍነዉ ዝፍተኑ መጥቃዕቲታት ንምፍሻል ወሳኒ ኢዩ” ኢሎም።

ኣካል 5ይ ትውልዲ ዝኾኑ ዘበነዎት ተዋጋእቲ ኣውሮፕላናትን ስትራቴጂክ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናትን፤ ሓደ ኣካል እቲ ሓይሊ ኣየር ናይ ምዝማን ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ብናይ ውግእ ዓቕሙ፣ ብጅግንነቱን ዕጥቁን ዝነበሮ ዝና እዋኑ ብዝሓቶ መልክዑ ንምዝማን እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ዘበን ተሳጋሪ ሓይሊ ኣየር ናይ ምህናፅ ምንቅስቓስ ተጠናኺ ከምዝቕፅል ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ብግደኦም÷ እቲ ሓይሊ ኣየር ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፣ ብዕጥቂን መሰረተ ልምዓት ውግእን ከምዝተጠናኸረ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment