ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክልኻል ሃገርን  ሚሸል ማርቲን ኣብ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም።

ኣብቲ ዑደት፥ እቲ ኮሚሽን ዘካየዶም ተግባራት ዝጠመተ መብርሂ ዋና ኮሚሽነት እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር) መብርሂ ሂቦም።

ሚሸል ማርቲን ብግደኦም፥ ተመክሮ ከይዲ ህንፀት ሰላም ኣየርላንድ ኣረዲኦም።

ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነት እውን ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment