ኣየርላንድ ምስ ኢትዮጵያ ብብዙሕ ዓውዲታት ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣየርላንድ ምስ ኢትዮጵያ ብብዙሕ ዓውዲታት ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ።

ክልቲአን ሃገራት መበል 30 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ኣኽቢረን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮም ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክልኻል ሃገርን ኣየርላንድ ሚሼል ማርቲን፣ ኣባላት ልኡኽ ኣየርላድን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተረኺቦም።

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘላቒ ሕውነት ምህላዉ ሓቢረን።

ኣብ ቀፃሊ እውን ፅኑዕ ከልቲኣዊ ርክብ ንምፍጣር ዘለወን ቆራፅነት ገሊፀን።

ከም መሻርኽቲ ሃገራት ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ሓቢርና ደው ኢልና ኢና ብምባል፥ ኣየርላንድ ንኢትዮጵያ ዝገበረቶ ዘይተቛረፀ ደገፍ አመስጊነን።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ልምዓት፣ ሓለዋ ጥዕና፣ትምህርቲ፣ ማዕርነት ስርዓተ ፆታን ዘላቕነት ከባቢን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ጠንካራ ማዕቐፍ ከምዝዳሎ ገሊፀን።

ሚሼል ማርቲን ብግደኦም፥ ኣብ ዓውዲ ንግዲ፣ ኣቪየሽን፣ ቱሪዝም፣ ንፀገም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ምድጋፍን ካልኦት ዓውዲታትን ዘሎ ክልቲኣዊ ርክብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment