ኣየርላንድ  ሉዓላዊነት ኢትዮጵያ ካብ ዝትንክፉ ተግባራት ንክትቁጠብ ኢትዮጵያ ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣየርላንድ  ቤት ምኽሪ ፀፅታን ሕብረት ኣውሮፓን ብምጥቃም ትፍፅሞ ካብ ዘላ ሉዓላዊነት ኢትዮጵያ ካብ ዝትንክፉ ተግባራታ ንክትቁጠብ ኢትዮጵያ ሓቲታ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክልኻልን  ሳይመን ኮቨኒ ደብዳበ ፅሒፎም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ደብዳቤኦም፥ ክልቲአን ሃገራት ታሪካዊ ሕውነት መስሪተን ዝነበራ ከምዝኾና ብምግላፅ፥ ኣየርላንድ ኣብዚ ሐዚ እዋን ትፍፅሞ ዘላ ተግባር ኢትዮጵያ ትፅቢት እትገብረሉ ከምዘይኮነ ሓቢሮም።

ኣብ 2018 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፅአ ለውጢ ስዒቡ ኣብዛ ሃገር ዝዕንብብ ዘሎ ዴሞክራሲ ዘሰንበዶ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፥ ሓይሊ እንተሰልጥን ፀኒሑ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ኣዘኻኺሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ጎንፂ ከምዝተወለዐ፤ እቲ ጎንፂ ደው ንምባል ድማ መንግስቲ ፌዴራል ዝገብሮ ፃዕሪ ብዘይምቕባል እቲ ግብረ ራዕዲ መጥቃዕቲ እናፈፀመ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ጎንፂ ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ሕብረት ኣፍሪካ ዘቕረቦ ኣማራፂ ሰላም ከምዝተቐበለ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ እዋን ጎንፂ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ተሓተትቲ ዝኾኑ ወገናት ብምሕታቱን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደሊዩ ዜጋታት ደገፍ ንክበፅሕ ይገብሮ ዘሎ ፃዕሪን ዘርዚሮም።

ኣብዛ ሃገር ንዘጋጠመ ፀገም ዘላቒ መፍትሒ ንምሃብ ብሄራዊ ኮሚሽን ዘተ ብምጥያሽ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኣየርላንድ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበሩ ዘለዉ ስጉምቲታትን ኣብዛ ሃገር ዝግበሩ ዘለዉ ምምሕያሻት ፖለቲካን ኢኮኖሚን ክትድግፍ ይግበኣ ነይሩ እውን ኢሎም።

ይኹን እንበር እታ ሃገር ኣባል ኣብ ዝኾነትሉ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመንን ሕብረት ኣውሮፓን ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እትገብሮ መጥቃዕቲ ከምዝቐፀለት ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣየርላንድ  ኣብ ልዕሊ ሉዓላዊነት ኢትዮጵያን ግዝኣታዊ ሓድነትን እትፍፅሞ ካብ ዘላ መጥቃዕቲ ንክትቁጠብ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ፃውዒት ከምዘይተቐበለቶ ኣገንዚቦም።

ኣብ ምምሕያሽ ርክብ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮፓን እታ ሃገር ፀገም ከምዝፈጠረት ኣይተ ደመቀ ኣብ ደብዳቤኦም ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ኣየርላንድ  ሉዓላዊነት ኢትዮጵያ ካብ ዝትንክፉ ተግባራታ ክትቁጠብ ይግባእ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስታ ሃገር ዘለዋ ታሪካዊ ርክብ ንምሕዳስ ባህጊ ኣላ ዝበሉ ኣይተ ደመቀ፥ ኣይርላንድ ልክዕ ከም ኢትዮጵያ ነቲ ረኽቢ ንምምሕያሽ ድልየት ከምዘለዋ ግን ኣይንፈልጥን ኢሎም።

ኢትዮጵያ እቲ ርክብ ንምምሕያሽ ዝገበረቶ ፈተነታት ኩሉ ከምዝፈሸለ ኣረዲኦም።

ብተቓራኒ ኣየርላን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምድጋፍ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ዘለዋ ወንበር ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ትገብር ከምዘላ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ ኣየርላንድ ካብቲ ናይ መጥቃዕቲ ተግባራ ንክትቁጠብ ኣይተ ደመቀ ሓቲቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment