ኣዘዝትን ስታፍ ኮሌጅን ልኡኽ ታኒዛኒያ ኣብ ስታፍ ኮሌጅ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዘዝትን ስታፍ ኮሌጅን ልኡኽ ታኒዛኒያ ኣብ ስታፍ ኮሌጅ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ትምህርታዊ ዑደት ኣሳሊጦም።

እቲ ልኡኽ፥ ካብ 12 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ወተሃደራዊ መኮንነናትን ኣመራርሓ ስታፍ ኮሌጅን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምክትል ኣዛዚ ትምህርትን ስልጠናን እቲ ስታፍ ኮሌጅ ኮሎኔል ተረፈ ጩሪሶ፥ እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ክልቲአን ፈተውቲ ሃገራት ዘሎ ወተሃደራዊ መትሕብባር ዘጠንክርን ብዙሕ ልምዲታት ዝተረኸበሉን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ስታፍ ኮሌጅ፥ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፅኡ ብምቕባል ብምምሃር ምስ ኮሌጅ ታኒዛኒያ ከምዘመሳስሎ እወን ተዛሪቦም።

ኮሎኔል ጃፋር ረመዳን ኣርስታይድ ብግደኦም፥ ኣብቲ ኮሌጅ ንዝረኣይዎ ምንቅስቓስ ስራሕ ምንኣዶም ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ምስቲ ኮሌጅ ሓቢርካ ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ሓሳብ ምልውዋጦም ኣብ ፌስ ቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment