ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየር ሃገራት ኣፍሪካ ዓቕሚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዑደት ከምዝገበሩ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየር ሃገራት ኣፍሪካ ዓቕሚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዑደት ከምዝገበሩ ገሊፆም።

መበል 88 በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ “ብመስዋእትነት ሃገር ሃገር ዘፅንዐ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 20 ሕዳር 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ይኽበር ኣሎ።

ሓደ ኣካል እቲ መርሃ ግብሪ ዝኾነ ፎረም ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየር ኣፍሪካ ኣብ ቢሸፍቱ ምክያዱ ይዝከር።

ኣብቲ ፎረም ዝተሳተፉ ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየር ስራሕቲ ለውጢ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም።

እቶም ተሳተፍቲ፥ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተማልአ ዓቕሚ ከምዘለዎ ምርኣዮም ገሊፆም።

ሓይሊ ኣየር ኣብ ኢትዮጵያ ምስልጣንን ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ዓቕሚ ንምዕባይ ካብ ኢትዮጵያ ትምህርቲ ምውሳድን ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ሓበራዊ ዓቕሚ ሓይሊ ኣየር ኣፍሪካ ነምትሕብባር ዝተጀመረ ፃዕሪ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment