ኣውቶቡሳት ሸገር ባስ ንመምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ኣገልግሎት ንኽህባ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣውቶቡሳት ሸገር ባስ ንመምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ኣገልግሎት ንኽህባ ተወሲኑ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘላለም ሙላቱ፣ ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ምትኩ ኣማረ፣ ዋና ዳይሬክተር ትካል ኣገልግሎት ኣውቶቡስ እታ ከተማ ኣይተ ግዛው ኣለሙ፣ ፕሬዚዳንት ማሕበር መምህራን እቲ ምምሕዳር ኣይተ ድንቃለም ቶሎሳ፣ ኣባላት ማኔጅመንት ቢሮ ትምህርቲን እቲ ምምሕዳርን ካልኦት ኣመራርሓታትን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ መንግስታዊ ኣቢያተ ትምህርቲ እናምሀሩ ዝርከቡ መምህራንን ኣመራርሓታት ትምህቲን ካብ ዝቕፅል ሰኑይ ጀሚሮም ሕዚ እናተጠቐሙሉ ዝርከቡ መለለዪ መንነት ስራሕ ሸገር ባስ ንኽጥቀሙ ከምዝወሰኑ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ምስ ኣወሃህባ ኣገልግሎታት ተተሓሒዙ ካብ መምህራን ዝቐረቡ ሕቶታት ኣመልኪቱ ኣብቲ መድረኽ ልዝብ ከምዘትገበረሉ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ፀገማት ብመፅናዕቲ ንምፍታሕ መፅናዕቲ ዝገብር ኮሚቴ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment