ኣውሮፕላን ተጓዓዝቲ ታንዛኒያ ኣብ ቃላይ ቪክቶሪያ ተሓምሺሻ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)49 ሰባት ኣሳፊራ እናተጓዓዝ ዝነበረት ኣውሮፕላን ታንዛኒያ ኣብ ቃላይ ቪክቶሪያ ከምዝተሓምሸሸት ተገሊፁ።

ካብ ዳሬሰላም ናብ ከተማ ቡኮባ እናተጓዓዘት ዝነበረት እታ ኣውሮፕላን÷ ኣውሎ ንፋስን ከቢድ ዝናብን ከመዘጋጠማን ንምሕምሻሻ ምኽንያት ከምዝኾነን ተሓቢሩ፡፡

ብምሰረት እዚ ካብ 49 ተሳፈርቲ 20 ዝኾኑ ሰባት ብህይወት ከምዝተረፉ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment