ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌዴራል ትካላት ልኡኽቶአን ብብቕዓት፣ ብፅሬት ንኽፍፅማ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌዴራል ትካላት ልኡኽቶአን ብብቕዓት፣ ብፅሬትን ብውፅኢታዊነትን ንኽፍፅማ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምውፋር ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጂን ገሊፁ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌዴራል ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ኣፅቑ እዩ።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምውፋር ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጂን ነገሪ ሌንጮ (ዶ/ር)÷ ኣብ ዕላማን ኣአድላይነትን እቲ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ እቲ ኣዋጅ ምምሕያሹ ንተገልገልቲ ዝተሳለጠን ፅሬት ዘለዎን ኣገልግሎት ንመሃብ፣ ቅልጡፍን ዝዘመነን ስርዓት ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሲቪል ሰርቪስ ንምዕባለ ሃገር ዕዙዝ ግድኡ ንኽዋፃእን ኣብ ሞንጎ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ጥዑይ ዝኾነ ውድድር ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኣቢያተ ዕዮ መንግድቲ ልኡኽቶአን ብብቕዓት፣ ብፅሬትን ብውፅኢታዊነትን ንኽፍፅማ ፅቡቕ ዕድል ዝፈጥር ኣዋጅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment