ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ህልውና ሃገር ንምድሓን ዝዓለመ ስለዝኾነ ኩሉ ሓላፍነቱ ንኽዋፃእ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ሓፈሻዊ መምርሒ ሰራዊት እዚ ምዕራብን ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ኣባላት ፖሊስ ክልል ኦሮሚያን ከም ሃገር ኣብ ዝተነበረ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝርዝር ኣፈፃፅምኡን ግደ ኣፈፀምቲ ኣካላትን ተዛቲዮም።

እቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፥ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ሃገር ኣብ ሓደጋ ህልውና ንምውዳቕ ዘንፀላለዉዎ ስግኣት ንምክልኻል ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓላፊ መምርሒ መሃንዲስ እዚ ምዕራብ ኮሎኔል ግርማ ወንዳፍራሽ ተዛሪቦም፡፡

ሓላፊ ጉጅለ ፍትሒ እቲ እዚ ሌ/ኮ ንጉሴ ኣበባው ብግደኦም፥ ኣብቲ ኣዋጅ ዝተቐመጡ ዝርዝር ጉዳያት እኩይ ዕላማ እቶም ግብረ ራዕዳውያን ብምፍሻል ህልውና ሃገር ምድሓን ስለዝኾነ ኣብ ተግባራውነቱ ኩሉ ሓላፍነቱ ብግቡእ ክዋፃእ ይግባእ ኢሎም።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ እቲ ኣዋጅ ከም ሃገር ሰላም ንምርግጋፅ ዝወፅአ ስለዝኾነ፥ በዚ ድማ ብሓባር ቅልፅነት ስለዝተፈጠሩ ካብኦም ትፅት ዝግበር ንምግባር ከምዝተዳለዉ ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment