ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት ብዝበለፀ ንምዝዝማን ካብ ዑደት ኣዘርባጃን ዓብዪ ተሞክሮ ተረኺቡ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት ብዝበለፀ ንምዝዝማንን ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባርን ካብ ዑደት ኣዘርባጃን ዓብዪ ተሞክሮ ከምዝተረኸበ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ትማሊ ኣብ ኣዘርባጃን ዝገበሩዎ ዑደት ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ ኣብ ኣዘርባጃን ብፍላይ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት መንግስቲ ሙሉእ ብሙሉ ብዲጂታል መልክዕ እናተውሃበ ከምዝርከብን እዚ ደማ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ቅልጡፍን ምቹውን ንኽኸውን ከምዝገበሮ ምዕዛቦም ገሊፆም።

መመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ውፅኢታዊ ዝኾነ ሪፎርም ከምዝገበረ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ሕዚ ድማ ኣገልግሎት ትካላት መንግስቲ ሪፎርም ናይ ምግባር ስራሕቲ ከምዝተጀመሩ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ኣብ ሸሞንተ ትካላት መንግስቲ ዲጂታላይዝ ንምግባር ኣብ ብርኪ ፈተነ እናተተግበረ ከምዝርከብ ብምግላፅ÷ ካብ ኣዘርባጃን ዝተረኸበ ተሞክሮ ንዝተጀመረ ስራሕ ከም እታወት ከምዘገልግል ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment