ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣወሃህባ ኣገልግሎት ባንክታት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ክኸውን ከምዘለዎ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ ኣተሓሳሲቦም።
10 ሽሕ ዝኾኑ ሰብ ኣክስዮናት ዘለዎ ባንኪ ኣሃዱ ሎሚ ብዕሊ ስርሑ ጀሚሩ።
ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ እቲ ባንኪ ብዕሊ ስራሕ ኣብ ዘጀመርሉ እዋን ኣብዝገበርዎ መደረ፥ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ባንክታት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ባንኪ ኣሃዱ እውን ዘበናዊ ኣገልግሎት ቴክኖሎጂ ኣብቲ መኽፈቲኡ መዓልቲ ብምትግባሩ ንኢዶም።
ኣብ ኢትዮጵያ፥ ካብ ዜጋታት ተረባሕቲ ትካላት ልቓሕ ፋይናንስ ካብ 6 ሚሊየን ከምዘይበልፁ ገሊፆም።
ባንክታትን ትካላት ዕቋርን ኣብ ገፀራት እዛ ሃገር ዝነብር ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ልቓሕ ብምቕራብ እቲ ልምዓት ክድግፉ ይግባእ ኢሎም።
ባንኪ ኣሃዱ፥ ብ564 ሚሊየን ብር ዝተኸፍለን ብ702 ሚሊየን ብር ዝተፈረመን ካፒታል ብምሓዝ ስርሑ ምጅማሩ እውን ተገሊፁⵆ
እቲ ባንኪ ብቢዓመቱ ዘቕርቦ ልቓሕ 15 ሚኢታዊት ዝኸውን ንፈጠርቲ ስራሕን ኣናእሽቲ ኢንተርፕራይዛት ከምዘመቻቹ እውን ኣታሓሳሲቡⵆ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።