ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ ኮሚቴ ሓበራዊ ጉዳይ ቴክኒክ ዶብ ኢትዮ – ኬንያ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተጀሚሩ።
እቲ ጉጅለ ቴክኒክ ኢትዮጵያ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ዶባት ብውሁብ ሙሉነህ ዝተመርሐ እንትኸውን፥ ብወገን ኬንያ ምክትል ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ዶባት እታ ሃገር ጆን ሙጌንዲ ተመሪሑ።
በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም፥ ክልቲአን ኣሕዋት ሃገራት ሰናይ ዝኾነን ከሉለመዳይ ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ዘለወን ከምዝኾና ብምግላፅ፤ ርክበን ኣብ ምክብባርን ምትሕብባርን ዝተመርኮሰ ኢዩ እውን ኢሎም።
ምንቅስቓስ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ንምስላጥ ዘኽእል ምቹው ኩነታት ብምፍጣር ክልቲኦም ወገናት ኣድላዪ እታወት ፋይናንስ፣ ቴክኒክን ሎጂስቲክስን ብምምዳብ ንኽሰርሑ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ፀዊዖም።
ንዝቕፅሉ ክልተ መዓልቲታት ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚቴ ቴክኒክ፥ ፀብፃብ ሞምባሳ” ተባሂሉ ዝፍለጥን ኣብ 2019 ብዝተበፅሐ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ስራሕቲ ቁፅፅርን ፅገናን፣ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ልዝብ ዝግበር እንትኸውን፥ ኣፈፃፅማ ትልሚ ስራሕን በጀትን ምንቅስቓስ ዶብ ኬንያን ታንዛኒያን ኣመልኪቱ ብዘለወን ተሞክሮ ዘድሃበ ዘተ ክግበር ኢዩ ዝብል ትፅት ኣሎ።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ስምምዕነት ዶብ ዝተገበረ ብ1970 ዓ.ም ከምዝኾነ ይዝከር፡፡