ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣህጉራዊ ነፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 15 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣህጉራዊ ነፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈቲ እቲ ኣኼባ፥  ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴን ካልኦት ሚኒስትራት ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረትን ተረኺቦም።

ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ኣኼባ፥ ስምምዕነት ኣህጉራዊ ነፃ ቀጣና ንግዲ ብምፍራም ናብ ስራሕ ካብ ዝኣቲ ጀሚሩ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝጠመተ ፀብፃብ ክቐርብ ኢዩ ዝበል ትፅቢት ኣሎ።

ከምኡወን ሰነድ ስምምዕነት ብዋና ፀሓፊ ኣህጉራዊ ነፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔን ኣቦ መንበር ፅርየት ትካላት መሰረተ ልምዓት ፓን ኣፍሪካ ሄንሪ ሮቲች (ዶ/ር) ክኽተም ኢዩ ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ  54 ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ስምምዕነት ክታመን ኣንቢረን ኢየን።

ኣብ ኣባል ሃገራት ኣፍሪካ ለዕሊ 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ሀዝቢ ከዛመድ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብታሪኩ ለገሰ

Comments (0)
Add Comment