ኣኼባ ሞያተኛታት ኣህጉራዊ ቀጣና ነፃ ንግዲ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ ሞያተኛታት ኣህጉራዊ ቀጣና ነፃ ንግዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝፀንሕ እቲ ኣኼባ፥ ሰብ ሞያ ላዕለዋይ ንግዲ ኣብ ኣጀንዳታት ኢንቨስትመንት፣ ዲጂታል ንግዲ፣ ናውቲን ኣገልግሎት ንግዲን ብምትእኽካብ ንኣኼባ ሚኒስቴራት ንግዲ ኣባል ሃገራት ከቕርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣኼባ ሚኒስቴራት ንግዲ ኣባል ሃገራት ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት 30 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ሚኒስትራት ኣብቶም ኣጀንዳታት ብምዝታይ ስምምዕ ክገብሩ ይኽእሉ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ጉባኤ ነፃ ኣህጉራዊ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ካብ 11 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ተተኣናግድ ኣላ።

ብመራኦል ከድር

Comments (0)
Add Comment