ኣኼባ ማዕቐፍ ምትሕብባር ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ ማዕቐፍ ምትሕብባር በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣባል ሃገራ ኢጋድ፣ ምሁራን፣ ሰብ ሞያ፣ ሓገዝቲ ሃገራትን ትካላትን ተሳተፍቲ ኢየን።

ንፍልሰተኛታት፣ ተመለስቲ ስደትን ዝወፅኡሉ ማሕበረሰብን ዘለቒ መፍትሒ ኣብ ምምፃእ ዘድሀበ ኣኼባ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ መድረኽ ዘተ ኩነታት ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዝወፅኡ ትልሚታት ገምጋም ተግባረውነቶምን ኣፈፃፅመኦምን ትኹረት ከምዝግበር ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ስርዓት ሓገዝ ፍልሰተኛታ ኢጋድ፣ ኣብ ኣተገባብራ ኣዋጅ ናይሮቢ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ንዝካየድ ዓለም ለኸ ፎረም ፍልሰተኛታት ጄኔቫ ዝቐርቡ ቃልኪዳናትን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያት ምይይጥ እናተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣባል ሃገራት ልምደን ዝለዋወጣሉ፣ ንዝመፅእ ግዘ ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ኣብ ምንታይ ምድሃብ ይግባእ ኣብ ዝብል ዛዕባ ክዘራረባ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ምክትል ዳይሬክተር ግልጋሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ኢትዮጵያ ኣይተ ሙሉኣለም ደስታ፥ ኢትዮጵያ ብኣባል ሃገራ ኢጋድ ዝተፈረመ ስምምዕነት ናይሮቢ ተግባራዊ ኣብ ምግባርን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ብዕቱብ እናሰርሐት ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ብመራኦል ከድር

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment