ኣኼባ መስረታ ፎረም ዘበናዊ ስርዓት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝቃወማ ሃገራት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ መስረታ ፎረም ዘበናዊ ስርዓት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝቃወማ ሃገራት ተሳሊጡ።

እቲ ኣኼባ መሪሕ ፓርቲ ሩሲያ “ዩናይትድ ራሺያ ፓርቲ”ዘዳለዎ እንትኸውን፥ ካብ 15 ክሳብ 17 ለካቲት 2024 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ሞስኮ ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

ፓርቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፍዊ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ዘበናዊ በልሓት ባርነት ምስ ህልውና ሉእላውነት ሃገራት ዘይቃዶ ብምዃኑ ኩሉ ብሓባር ክስለፍ ከምዝግባእ ቅዋማ ገሊፃ።

ካብ ግዝኣት ኢድ ኣእታውነትን ብምልቓቕ ኩለ መዳይ ምዕባለ ምርግጋፅ ግቡእ ከምዝኾነን እዚ ድማ በዝተማልአ ደረጃ ዕላዊ ንክኸውን ሃገራት ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ቃልሲ ክገብራ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ብፍላይ ኣፍሪካን ኣብ ውሽጣ ንዘለዉ ሃገራትን ብባዕዳዊ መግዛእቲን ዘበናዊ ባዕዳዊ መግዛእቲን ዝበፅሐን ዘይሓወየ ቁስሊ ንምሕካም ንክከኣል በልሓት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘበናዊ ዓለም ብምትሕብባር ምምካን ከምዝግባእ ኣይተ ኣደም ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ጥንታዊትን ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአት ሃገርን ምዃና ኣፍሪካዊያን ንነፃነትን ሉእላውነትን ብመሰረት ዝገበርዎ ቃልሲ ከም ኣብነት ስለዝርእይዋ በዚ ዘለዋ ሓላፍነት ልዑል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ያታ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ፅዕንቶታት ኢኮኖሚ ብምፍጣር፣ ፖለቲካዊ ውጥረታት ብምብእኣስ፣ ወራር ባህሊ ብምክያድ፣ ሚዛን ሓይሊ ብምስሓት ንዝረአ ዘሎ እኩይ ዕላማ ንምፍፃም ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስን ትካላት ረድኤትን ብመሳርሒነት ከምዝጥቀሙ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment