ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣክሲዮን ማሕበር ባንኪ ፀሐይ ስርሑ ብዕሊ ጀሚሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ፣ ኣመራርሓታት ቦርድ እቲ ባንኪን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ዶክተር ይናገር ደሴ፥ ካብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ንነዘ ሓደሽቲ ባንኪታት ናብ ዕደጋ ብምሕዋሶም እናተርኣየ ዘሎ ለውጢ ነቲ ማሕበረሰብ ስራሕ ባንኪ ኣፍልጦ ንክህልዎ ኣብ ምግባር ዘለዎ ረብሓ ልዑል እዩ ኢሎም።
እቲ ባንኪ ስርሑ ዝጀመረሉ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ዝተፈረመ ካፒታልን 734 ሚሊየን ብር ዝተኸፈለ ካፒታል ሒዙ ምዃኑ እዩ ዝተገለፀ።
ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ባንኪ ኣይተ ያሬድ መስፍን ከምዝበልዎ፥ እቲ ባንኪ ስሩዕ ኣገልግሎት ባንኪን ካብ ወለድ ነፃ ኣገልግሎት ባንኪን ከምኡ ውን ስርዓት ዲጂታል ባንኪንግ ብምዝርጋሕ ቅድመ ምድላዉ ዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተገሊፁ።
ባንኪ ፀሐይ ዕላዊ ስራሑ ኣብ 30 ጨንፈራቱ ከምዝጀመረ ብምግላፅ፥ ኣብ ዝሓዝናዮ ዓመት ጨንፈራ እቲ ባንኪ 100 ንምብፃሕ ትልሚ ሒዙ እናሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።