ኣካዳሚክ ዲን ሰራዊት ምክልኻል ዝነበሩ ብ/ጄ ኣሊጋዝ ገብሬ ሓዊሱ ኣርባዕተ መኮንናት ጦር ንራብዓይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣካዳሚክ ዲን ሰራዊት ምክልኻል ዝነበሩ ብርጋዴር ጄነራል ኣሊጋዝ ገብሬ ሓዊሱ ኣርባዕተ መኮንናት ጦር ንራብዓይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መጋባእያ ምድብ ኣራዳ 2ይ እዋን ቆፀሮ ዝቐረቡ ተጠርጠርቲ፥ ብርጋዴር ጄነራል ኣሊጋዝ ገብሬ፣ ብርጋዴር ጄኔራል ገብረስላሴ በላይ፣ ብርጋዴር ጄኔራል ኣብርሃ ታደሰን ሻምበል ወልዳይ ሰመረን ኢዮም።

ኣባላት ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፥ ተጠርጠርቲ ብዝተጠርጠሩሉ ገበን ቤት ፍርዲ ዝሃቦም 11 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ምርመራ፤ ዝሰርሑዎ ምርመራ ኣቕሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ እቶም መኮንናት ጦር ምስ ተሓጋገዝቶም ብምዃን እዚ ሰሜን ክውቃዕ ምግባሮምን ንጉጅለ ኦነግ ሸኔ ብሕቡእ ሓገዝ እናገበሩ ከምዝነበረ ብመረዳእታ ኣረጋጊፀ ኢሎም፡፡

ተወለድቲ ትግራይ ንፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ብምምልማል ናብቲ ፍሉይ ሓይሊ ንኽፅምበሩ እናገበሩ ከምዝነበረ እውን መረዳእታ ምእካቡ ገሊፆም።

ተወሰኽቲ ምርመራ ዘድሊዮም ስራሕቲ ስለዘለዉ ድማ ተወሳኺ እዋን ክፍቀደሉ ሓቲቶም።

ተጠርጠርቲ ብግደኦም፥ ተሳትፎ ገበንና ተፈሊዩ ኣይቀረበን፤ በዚ ልክዕ ድማ ተወሳኺ እዋን ክወሃብ ኣይግባእን፤ ብዋሕስ ወፂእና ጉዳይና ኣብ ደገ ኮይንና ንከታተል ክብሉ ሓቲቶም።

ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ መጋባእያ ድማ መዝገብ ብምምርማር ትእዛዝ ንመሃብ ን16 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment