ኣካታታይነት ዲጂታል ፋይናንስ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣፈላላይ ዲጂታል ስርዓተ-ፆታ ንምፅባብን

ኣካታታይነት ዲጂታል ፋይናንስ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይን ዘኽእል ስምምዕነት ምስ ጂ ኤስ ኤም ኤ ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ዋና ፈፃት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ኣመራርሓታት ጂ ኤስ ኤም ኤ ኣብ ስፔን ባርሴሎናን ተፈራሪሞምዎ፡፡

ዋና ፈፃት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩለመዳይ ልምዓት ወሳኒ ግደ ይፃወታ፡፡

ክፍተት ዲጂታል ስርዓተ-ፆታ ንምንካይ ኢንተርኔት ሞባይልን ግልጋሎት ፋይናንሺያል ሞባይልን ንደቂ ኣንስትዮ ብዝበለፀ ተበፃ ንምግባር ብቖራፅነት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

እቲ ስምምዕነት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሞባይል ኢንተርኔትን ግልጋሎት ሞባይል ገንዘብ (ቴሌብር) ተረባሕቲ ቁፅረን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2026 ብዝለዓለ ኩነታት ንምዕባይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ግልጋሎት ሞባይል ፋይናንስ ናይ ምጥቃም ዕድለን ድማ ካብ 28 ሚኢታዊ ዝነኣሰ ከምዝኾነ ሓበሬታ ኢትዮ ቴሌኮም የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment