ኣካቢ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃን ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካቢ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃን ንኽልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቶም ኣካቢ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment