ኣካል ወፍሪ ምእታው ናብ ሃገር ዝኾነ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶትን እንግዶት ድራርን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣካል ወፍሪ ምእታው ናብ ሃገር ዝኾነ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶትን እንግዶት ድራርን ትማሊ ምሸት ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፃውዒት ሃገሮም ተቐቢሎም ንዝመፅኡ ዳያስፖራታት ምስጋና ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ ሃገሮም ብመደምቢ ተዘዋዊሮም ንኽዕዘቡ ፀዊዖም፡፡

ምስ ልምዓት ተተሓሒዙ ኣብ ዘልዐሉዎ ሓሳብ፥ ዘይተረኣዩ ፕሮጀክታት ንኽዕዘቡ ብምብርትታዕ እዚ ድማ ተወሳኺ ሓሳብ ኣፈልፈልፊሎም ዝሐሸ ስራሕ ንምስራሕ ከምዘሕግዞም ኣብሪሆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ እዋናዊ ሃራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም እውን መብርሂ ሂቦም ኢዮም፡፡

“መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ውሳነ እንትውስን ሰለስተ መሰረታዊ ጉዳያት ብምቕዳም ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒሰስትር፥ ንሳቶም ድማ ሉኣላውነት፣ ብሄራዊ ረብሓን ክብሪ ሃገርን ክዝኾኑ ገሊፆም።

“ንዝኾነ ይኹን ኣካል ፀላኢ ኢልና ፈሪጅና ኣይንፍልጥን፤ ንኹሎም ከም ኣመፃፅአኦም ነተኣናግዶም እቶም ዘይንደራደረሎም ነጥቢታት ብምቕዳም ኢዩ” እውን ኢሎም፡፡

ሃገር ምቕናዕን ሰላም ምዕሳልን ዝከኣል ህድእ ብዝበለ መገዲ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒሰስትር፥ ኩሉ ግዘ ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ዝሐሸ ብሓባር ከምዝውስኑ ኣገንዚቦም።

ዝውሰኑ ውሳነታት ንኢትዮጵያ ዘቐደሙ ስለዝኾኑ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክርደኦም ከምዝግባእ ብምሕባር፥ ይቕሬታ ፅባሕ ንምቕናዕ እምበር ትማሊ ንምቕያር ከምዘይኮነ ምግንዛብ ከምዝግባእ ኣልዒሎም።

“ፀላኢ ኢልና ዝፈረጅናያ ሃገር የላን” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ይኹን እምበር ፖሊሲታቶም ካብ ዘቐመጥናዮም መለክዒታት ዘይስማዕምዑ ሓደሓደ ሃገራት ከምዘለዋ ገሊፆም፡፡

ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝርዳኣ፣ ንኢትዮጵያ ዘኽብራን መፃኢ ተስፋኣ ዝግንዘባን ሃገራት ከምዘለዋ እውን ኣብሪሆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment