ኣከባብራ በዓላት መስቀል፣ ዳሜራን ኢሬቻ ኣመልኪቱ ልዝብ ተኻይዱ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝቕፅሉ በዓላት መስቀል፣ ዳሜራን ኢሬቻን ብሰለማ ንምኽባር ዝዓለመ ልዝብ ተኻይዱ።

እቲ መድረኽ ዘተ÷ ቢሮ ምምሕዳር ፀፅታን ሰላምን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ማእኸል ክሳብ ወረዳ ዝርከቡ ውዳበታት ፀፅታን መዳርግቲ ኣካላትን ኢዩ ገይሩዎ።

ኣብቲ መድረኽ ንኩሎም በዓላት ኣብ ዝተሰናደአ ትልሚ ምሕደራ ፀፅታ ምይይጥ ተገይሩ።

ሓላፊት ቢሮ ምምሕዳር ፀፅታን ሰላምን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ሊዲያ ግርማ፥ እቶም በዓላት ህዝቢ ዝሳተፈሎም ናይ ኣደባባይ በዓላት ስለዝኾኑ ብሰላም ንኽኽበሩ ብቅልጡፍ ልውውጥ ሓበሬታ ዝተሓገዘ ስራሕቲ ሓለዋ ፀፅታ ከምዝሳለጥ ገሊፀን።

እቲ ምድላው ንኽዛዘም÷ ምስ ትካላት ሃይማኖትን ምእመናንን ከምኡ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምዝታ ኣብ ስራሕቲ ሓለዋ ፀፅታ ተሳተፍቲ ንኽኾኑ ከምዝግበር እውን ኣብሪሀን።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብዙሓት ርኢቶታትን ሕቶታትን ተላዒሎም ምላሽ ከምዝተውሃቦም ካብ ቢሮ ምምሕዳር ፀፅታን ሰላምን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment