ኣንድሪያስ ኢንየስታ ጫምኡ ከምዝሰቅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ካብ ዝተራእዩ ብሉፃት ተፃወትቲ ሓደ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣንድሪያስ ኢንየስታ ኣብ መበል 40 ዓመቱ ጫምኡ ከምዝሰቐለ ኣፍሊጡ።

ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ 131 ግጥማት ዝተፃወተ ስፔናዊ ተፃዋታይ÷ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ ፅዋዕ ዓለም 2010 ኣንፃር ሆላንድ ብዘመዝገባ ናይ ፍፃመ ሸቶ ንሃገሩ ዓወት ከጓናፅፍ ክኢሉ ኢዩ።

ኢንየስታ ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ 2008 ከምኡ እውን 2012 ፅዋዕ ኣውሮፓ ንኽትዓትር ልዑል ግደ ካብ ዝነበሮም ኮኸባት ሓደ ኢዩ።

ሞተር ክፍሊ ማእኸል ጋንታ ባርሴሎና እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኢንየስታ÷ ምስ ደቂ ጋንትኡ ዝነበሩ ዣቪ ሄርናንደዝን ሰርጆ ቡሰክተስን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ይኹን ነታ ንዓመታት ዝተሰለፉላ ክለብ ባርሰሎና ብዝነበሮም ልሉይ ታራ ይፍለጡ።

ኢንየስታ ኣብታ ዝበዝሐ ዓመታት ዘሕለፈላ ካታላናዊት ጋንታ ባርሰሎና÷ 9 ፅዋዓት ላ-ሊጋን 4 ፅዋዓት ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮፓን ክዓትር ክኢሉ ኢዩ።

ኣብ 2018 ካብ ባርሰሎና ድሕሪ ምስንባቱ ናብ ጃፓናዊት ጋንታ ቪሰል ኮብ ዘምረሐ እንትኸውን÷ ኣብ 2023 ድማ ናብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ብምኻድ ምስ ጋንታ ኤሚረትስ እናተፃወተ ፀኒሑ ነይሩ።

ኢንየስታ ጫምኡ ምስቃሉ ብዝምልከት÷ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ክትመፅእ ኢያ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፤ ብፍፁም ተራእዩኒ ኣይፈልጥን” ክብል ንውሳነኡ ገሊፁዎ።

Comments (0)
Add Comment