ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ተመሊሶም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ነቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ ሰኒየሙዎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ መዝታዮም ይዝከር።

ኣብ ዘተኦም፥ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ካልኦት ዲፕሎማሲያዊ ጉዳያትን ብዕምቆት ተመያይጦም።

ዝፀንሐ ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም ኢዮም።

ብተወሳኺ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዩናይትድ ስቴትስን ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ከምዝተስማዕምዑ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕነት ሰላም እናመዝገበቶ ትርከብ ዓወት ተቐባልነት ከምዝረኸበ እውን ኣመልኪቱ።

ኣብ ኢኮኖሚ፣ ፃዕሪታት ልምዓት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕርሻን ዞባዊ ምርግጋእን ዘለዉ ጉዳያት ኣብቲ እዋን ዘተ ትኹረት ዝተውሃቦም ዛዕባታት ከምዝኾኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment