ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ ኣብ ወርልድ ማራቶን ኣቦት ብብርኪ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳመይቲ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ ኣብ ወርልድ ማራቶን ኣቦት ሜጀርስ ብብርኪ ብዝተገበረ ምሃብ ደረጃ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳመይቲ ኮይና።

እቲ ደረጃ ኣብ 6 ዋና ዋና ውድድራት ማራቶን ማለት እውን፤ ኣብ ውድድራት ማራቶን በርሊን፣ ለንደን፣ ቦስተን፣ ቶኪዮ፣ ቺካጎን ኒውዮርክን ዝተረኸቡ ውፅታት መሰረት ብምግባር ዝወፅ እንትኸውን÷ ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ ናይቲ ውድድር ብልፅቲ ተወዳዳሪት እዚ ዓመት ኮይና፡፡

ኣብቲ ዘበነ ውድድር ጎብለል ኮይና ምዝዛማ ስዒቡ እታ ኣትሌት ተሸላሚት 50 ሺሕ ዶላር ከምዝኾነት ካብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment