ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ በርሚንግሀም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ በርሚንግሀም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ።

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ነቲ ርሕቐት ብ8 ደቂቃ 16 ሰኮንድን 69 ማይክሮ ሰኮንድን ዛዚማቶ።

ኣትሌት ጉዳፍ ሎሚ መዓልቲ ዘመዝገበቶ ውፅኢት ኣብቲ ርሕቐት  መበል ካልኣይ ቅልጡፍ ሰዓትን ናይ ውልቃ ብሉፅ ሰዓተን ብምኻነ ተመዝጊቡላ።

ኣትሌት ሚዛን ዓለም 8 ደቒቓ 31 ሰኮንድን 20 ማይክሮ ሰኮንድን ብዝኾነ  ሰዓት ካልአይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።

 

Comments (0)
Add Comment