ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ቀዳማይን ካልኣይን ብምውፃእ ተዓዊተን።
ኣብ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን 1ይቲን 2ይቲን ብምውፃእ ኢየን ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂን ብሩርን ከምፅኣ ክኢለን።
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብ3:54.86 ሰዓት 1ይቲ እንትትወፅእ፤ ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ ብ3:59:30 ሰዓት 2ይቲ ብምውፃእ ውድድራ ዛዚማ።