ኣትሌት ያየሽ ጌቴ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ውድድር ፓራሊምፒክ ኣትሌት ያየሽ ጌቴ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዓይነ ስውራት ደቂ ኣንስትዮ (T-11) ክብረ ወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊታ፡፡

እታ ኣትሌት ቅድም ክብል 4 ደቒቕ 27 ሰከንድን 68 ማይክሮ ሰከንድን ባዕላ ሒዛቶ ዝነበረት ክብረ ወሰን ዓለም ኣርባዕተ ሰከንድ ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ክትወፅእ ክኢላ።

ኣትሌት ያየሽ ምዕዋታ ስዒቡ ንሃገራ ካልኣይ ሜዳሊያ ወርቂ ክተምፅእ ከምዝኸኣለት ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment