ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ለይቲ ኣብ ዝነበረ ውድድር መሰናክል 3 ሺሕ ሜትሮ ዳይመንድ ሊግ ሞናኮ ኣትሌት ወርቅውሃ ጌታቸው ተዓዊታ።
እታ ኣትሌት ነቲ ውድድር ብ9 ደቒቓን 6 ሰከንድን 19 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ኢያ ቀዳመይቲ ወፂኣ።
ኣትሌት ዘርፌ ወንድማገኝ ድማ 9 ደቒቓ 6 ሰከንድን 63 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ውድድራ ብምዝዛም ካልአይቲ ወፂኣ።
ብተመሳሳሊ 3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ÷ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ 7 ደቒቓ 26 ሰከንድ 81 ማይክሮ ሰከንድ በዝኾነ ግዘ ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።
ኣትሌት ጥላሁን ሃይሌ ድማ 7 ደቒቓ 38 ሰከንድን 24 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ግዘ ሻውዓይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።
ብደቂ ኣኒስቲዮ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ሂሩት መሸሻ 4 ደቒቓን 51 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ግዘ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ከምዝዛዘመት ካብ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።