ኣትሌት ኣባዲ ሓዲሽ ብሃንደበታዊ ሕማም ካብዚ ዓለም ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ብዙሓት ዓለም ለኻን ኣህጉራዊን ውድድራት ንኢትዮጵያ ወኪሉ ዝተወዳደረን ዝተዓወተን ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣባዲ ሓዱሽ ካብዚ ዓለም ተፈልዩ።

ኣትሌት ኣባዲ ሓዲሽ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ኦሎምፒክን ሻምፒዮና ዓለምን ንሃገሩ ብምውካል ተሳቲፉ ኢዩ።

ኣትሌት ኣባዲ ኣብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና እናተገበረሉ ፀኒሑ፥ ትማሊ ምሸት 26 ጥሪ 2012 ዓ.ም ኢዩ ብሃንደበት ካብዚ ዓለም ተፈሊዩ።

ኣባዲ ሓዱሽ ኣበ ዞባ ደቡብ እንዳ ሞኾኒ ፍሉይ ስሙ ጣብያ ስምረት ብ1990 ዓ.ም ተወሊዱ።

ናይ ኣትሌትክስ ህይወቱ ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ አትሌቲክሰ እንዳ ሞኾኒ ዝጀመረ ኣትሌት ኣባዲ ሓዲሽ፥ ብምቕፃል ድማ ኣብ ማይጨው ማእኸል መሰልጠኒ ኣትሌትክስ ኣትዩ ስልጠንኡ ዛዚሙ ኢዩ።

ድሕሪ እዙይ ኣባል ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ ኾይኑ ህይወቱ ክሻብ ዝሓለፈትሉ ዕለት ንጋንትኡ፣ ክልሉን ሃገሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት እናተሳተፈ፣ እናተዓወተን እናገልገለን ፀኒሑ።

ኣባዲ ሓዱሽ ዝተሳተፈሎም ውድድራትን ውፅኢቱን፦

#ኣብ ኦሎምፒክ

• ኣብ ብራዚል ሪዮ ዴ ጄኔሮ ኣብ 2016 ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ብ10 ሺሕ ሜትሮ በ27፡36.34 ብዝኾነ ሰዓት መበል 15 ደረጃ ሒዙ ዛዚሙ፡፡

#ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ኣትሌትክስ

• ኣብ ዶሃ ኳታር ኣብ ዝተገበረ ውድድር 2019 ሻምፕዮና አትሌቲክስ ዓለም ብ5 ሺሕ ሜትሮ ተሳቲፉ።

• ኣብ ለንደን ኣብ 2017 ሻምፖዮና ኣትሌትክስ ዓለም ብ 10ሺሕ ሜትሮ ብ 26፡59.19 ሰዓት 7ይ ደረጃ ረኺቡ፡፡

#ኣብ ሃገር አቋራጭ(ስግረ ዶብ)

• ኣብ ኡጋንዳ ካምላ ኣብ 2017 ዓለም ለኸ ሻምፕዮና ሃገር አቋራጭ ብዓበይቲ ደቂ የባዕትዮ ብ 10 ኪሎ ሜትሮ 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ተሸላሚ ሜዳልያ ነሓስ ኾይኑ!!

#ኣብ መላእ ፀወታታት አፍሪካ!!!

• ኣብ ሞሮኮ ራባት ብ2019 መላእ ፀወታታት አፍሪካ ብ10 ሜትሮ 7ይ ደረጃ ሒዙ እንትዛዝም፣

#ኣብ ሻምፕዮና ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ድማ

• ኣብ 2016 ብ 10 ሺሕ ሜትሮ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዝተዓወተሉ ውድድር ተፀራሒ ዓወቱ እዩ።

#ብጋንታን ብክልልን እውን ብዙሓት ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ!!!

ስነ-ስርዓት ቀበሪ ኣትሌት ኣባዲ ሓዱሽ ፅባሕ ሓሙስ ኣመራርሓታት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ፣ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ፣ ጋንትኡን ካልኦት ሓለፍቲን ኣብዝተረኸቡሉ ኣብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ጣብያ ስምረት እንዳሞኾኒ ከምዝፍፀም ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

Comments (0)
Add Comment