ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተወዳዳራይ 3 ሺህ መሕንኩሎ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ካብ ዘጋጠሞ ጉድኣት ሒሹዎ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

እቲ ኣትሌት ትማሊ ምሸት ኣብ ፈረንሳይ ኦሊምፒክ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር መሕንኩሎ 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ÷ ኣብ ናይ መወዳእታ ዙር በቲ መሕኩሎ ተዓንቂፉ ብምውዳቑ ጉድኣት ከምዘተኣናገደ ይፍለጥ፡፡

በዚ ድማ ናብ ሆስፒታል ኣቲዩ ብዝተገበረሉ ምርመራ አብ እግሩ ይኹን ኣብ ርእሱን ጉድኣት ከምዘይበፅሖ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣረጋጊፆም።

ንኣሰልጣኒ እቲ ኣትሌት ተሾመ ከበደ ብምፅራሕ ያሁ ኒውስ ከምዝፀብፀቦ÷ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ሎሚ መዓልቲ ካብ ካብ ሆስፒታል ብምውፃእ ናብ ኦሊምፒክ መንበሪ መንደሩ ከምዝተመለሰ ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment